HomeAbout the ChurchClergyChurch CouncilService ScheduleEvents CalenderOrthodox FaithMembershipDonationsPhoto, Audio & Video GalleryNews & ArticlesSacramentsRental FacilitiesBookstoreVolunteer ProgramsAbout EritreaDriving DirectionsContact Us

For current church affairs, programs and news, please visit the Eritrean Orthodox Diocese of North America website below:

Eritrean Orthodox Diocese of North America

 ***

ናብ ክቡራን ምእመናን ህዝበ ክርስቲያን፡ ብሩኽ በዓል ልደት ጐይታናን መድሓኒና ኢየሱስ ክርስቶስን ርሑስ ሓድሽ ዓመትን ይግበረልና። ቀጺልና ንየካቲት /February 1-3, 2019 ናይ ኣዴና ቅ. ድንግል ማርያም ዕረፍታ እነብዕለሉ ዓመታዊ ብዓልና ምኳኑ ክንገለጽ ንፈቱ።ብተወሳኺ ኣብዚ ክቡር በዓል ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ተኻፈልቲ በረኸታ ክትኮኑን።


Read more about the event program

***

  

 መበል 17 መንፈሳዊ ጉባኤ ቤተ ክርስትያን ተዋሕዶ ብሰላም ተዛዚሙ

እምበኣርሲ እታ ወዲ ሰብ ዚመጸላ መዓልትን ሰዓትን ኣይትፈልጡን ኢኹም እሞ ንቕሑ (ማቴ 25፣13) ኣብ ትሕቲ ዝብል መሪሕ ጥቕሲ ንመበል 17 ዓመት ካብ ሓምለ 30 - ነሓሰ 02/ 2015 (ሓምለ ፳፻፯ ግእዝ)፣ ኣብ ቅድስት ማርያም ኦክላንድ (ሳን ሊያንድሮ) ካሊፎርንያ ክካየድ ዝቀነየ ጉባኤ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋሕዶ፥ መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜሪካ ብሰላም ተዛዚሙ፡፡ እግዚኣብሔር ረዲኡና ጉባኤና ካብቲ ዝተጸበናዮ ንላዕሊ ናይ በረኸት፣ ናይ ምጽንናዕ፣ ናይ ፍቕሪ ጉባኤ እዩ ነይሩ። ኣብ ነፍሲ ወከፍ መዓልቲ ብጸሎት ዝጀመረ መደባት ናይ ንጉሆ፣ ድሕሪ ቀትርን ምሸታዊ መደባት ተሰሪዑ እዩ ክካየድ ቀንዩ።

Read More

 

ምምጻእ ትሽዓተ ቅዱሳንን ካልኦት ኣቦታትን - 471-486

ብድሕሪ ኣባ ሰላማ ቤተ ክርስቲያንና ሓዋርያዊ ተልእኾኣ ካብ መንበረ ማርቆስ ስለ ዝኾነ ምስተን ኣብ ዓለም ዝቖማ ሓዋርያውያን ቤተ ክርስቲያናት ተማዓራረየት። ብድሕሪ ኣባ ሰላማ ግና እቶም መበቆሎም ግብጻዊ ዝዀኑ ኣባ ሚናስ ካልኣይ ጳጳስ ሓበሻ ኰይኖም ካብ ግብጺ መጹ እሞ፡ ካብዚ ንደሓር ናይ ግብጺ ቤተ ክርስቲያን ዝዀነ ሓበሻ ንመዓርግ ጵጵስና ከይበጽሕ ንሽሕን ሽዱሽተ ሚኢትን ዓመታት ዝኣክል ከልከለት። ኣብ መዋዳእታ ግና ብድሪኺት መንግሥቲ ጣልያን ንኣቡነ ማሪቆስ ቀዳማይ ጳጳስ ዘሃገረ ኤርትራ ዝገብሮም ካብ ግብጺ ብዝመጹ ግብጻውያን ጥራይ ንመሓደር ነበርና። 

Continue Reading

 ***

 ክርስትያናዊ ጾም (1ይ ሰንበት ጾመ-ኣርብዓ - ዘወረደ)

ኣብ ጊዜ ቅዳሴ ዝንበብ ቅዱስ ጽሑፍ

ዲያቆን:- እብ 13 7-17----------Heb 13: 7-17
ተሓጋጋዚ ዲያቆን:- ያእ 46-----------Jam 4:6-end
ተሓጋጋዚ ካህን:- ግብ 2513-----------Acts 25: 13- end
ካህን:- ዮሃ 3: 10-25----------Joh 3: 10-25
መዝሙር ዳዊት፡-" ንእግዚኣብሄር ብፍርሃት ኣገልግልዎ፣ ብረዓድ ከኣ ተሐጐሱ።" (መዝ 211)
Psalms:- Serve the LORD with fear and rejoice with trembling.” Psalm 2.11
ቅዳሴ/Liturgy - ባስልዮስ, St. Basil 

 ክርስትያናዊ ጾም

ጾም ማለት ንነፍስኻ ካብ ዝብላዕ፣ ዝስተን ክፉእ ነገራትን ገቲእካ፣ ምስ እግዚኣብሄር እትራኸበሉ ህሞት እዩ። ጾም ርእስኻ ኣዋሪድካ፣ ናይ ጸሎት፣ ናይ ሓዘን፣ ናይ ንስሓን ምንዛዝን እዋን ከምዝኾነ መጽሓፍ ቅዱስ ከምዚ ይብል፣

Continue reading ...

***

 ኣብ ኮለጅ ቅዱስ ኣትናቴዎስ ክመሃሩ ዝጸንሑ ቁጽሪ ዝተመረቑ ተመሃሮ ይውስኽ ኣሎ

 

graduation.jpg

 በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።
ምስ ኦርቶዶክሳዊት / ግብጺ ብዝተበጽሐ ስምምዕ መሠረት፡ ካብ ኮለጅ . ኣትናቴዎስ እንዳተመረቑ፡ ኣብቲ ናይ ኤርትራ ሃገረ ስብከት ሰሜን ኣመሪካ ቦኽሪ ኮለጅ "ስነ-መለኮት ተዋሕዶ" ብደረጃ ምምህርናን ምምሕዳርን ዘገልግሉ ምሁራት ስነ-መለኮት ካህናት፡ ዲያቆናትን ኣሓት ደቂ ቤተክርስቲያንን ቁጽሮም ይውስኽ ኣሎ።

  

ክሳብ ሎሚ 12 ካህናት፡ ዲያቆናትን ኣሓት ደቂ ቤተክርስትያን ካብ ብፁእ ኣቡነ ዮሴፍ፡ ናይ ኮለጅ ኣትናቴዎስ ዲን (dean)፡ ቀዳማይ ዲግሪ ተቐቢሎም ኣሎዉ። ከምቲ ቅዱስ ጽሑፍ "ህዝበይ ሰኣን ፍልጠት ይጠፍእ። ፍልጠት ስለዝኣበኻ፥ ኣነ ድማ ካህን ኮይትኾነኒ ኪኣብየካ እየ።" ሆሴእ 4ዝብሎ ጠንቂ ናይ ውህሉልን እዋናውን ሽግራት ኦርቶዶክሳዊት ቤተክርስትያን ኤርትራ፡ ጉድለት ትምህርቲ ምዃኑ ብምርዳእ፡ ካብ ጽባሕ ናይቲ ኣብ መፋርቕ 2005 .ፈረንጂ ኣብ ቤተክርስትያንና ዝወረደ ሓደጋ ጀሚሮም ትምህርቶም ኣብ ምክትታል ዝጸንሑ ውሉደ ክህነትን መማህራን ቤት ትምህርቲ ሰንበትን እቶም ቀዳሞት ናብቲ ብሃገረ ስብከት መንበረ ጵጵስና ሰሜን ኣሜርካ ዝምእከል፡ ኣብ ታሪኽ ቤተክርስትያን ኤርትራ ቦኽሪ፡ "ኮለጅ ስነ መለኮት ተዋሕዶ" ብዝተፈላለየ ደረጃ ዘገልግሉ ልዑል ዘመናውን መንፈሳውን ትምህርቲ ዝቐሰሙ ደቂ ቤተክርስትያን እዮም። ብሓደስቲ ተመሃሮ እንዳተተክኡ ቁጽሮም ይውስኽ ኣሎ።

Read More ...

 ***

HTpic.jpg

ኣብነታዊያን ሰብ ቃል ኪዳን። መምህር ተኽለ ስብሃቱን ወ/ሮ ሄዋን ትንሱእን መበል 50 ዓመት ቃል ኪዳኖም ኣብዒሎም።  

                        

ቀዳም 2 ነሓሰ 2014 ዓ.ም.ፈ ብደቆም ብዝተገብረሎም ምድላው፣ መም/ተኽለን ወ/ሮ ሄዋንን ኣብ ኣደራሽ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም  ሳንሊያንድሮ ቤይ ኤርያ፣ደቆምን ደቂ-ደቆምን፣ቤተ ሰቦምን፣ፈተውቶምን፣ኩሎም ኣባላት ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያምን ዝተሳተፉሉ ኣዚዩ ዘሐጉስ ዝኽረ በዓል ቃል ኪዳኖም መበል 50 ዓመት ኣኽቢሮም። መም/ተኽለን ወ/ሮ ሄዋንን ነቲ “ደጊም ሓደ ኣካል ኢዮም እምበር ክልተ ኣይኮኑን”ዝብል ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ብምፍጻም ን50 (ሓምሳ ዓመት) ዝኣክል ኣብ ቃል ኪዶም ጸኒዖም ብሓጎስ ሰላማዊ ህይወት ዘሕለፉ፣ ኣብ ሾውዓተ ደቆም ጻማ ፍረ ጻዕሮም ዝረኣዩ፣ ከምኡ’ውን ደቂ ደቆም ንምርኣይ ዝበቕዑ ሰብ ጸጋን ኣብነታዊያንን ወለዲ’ዮም።ነቲ ብኣምላኽ ዝተዓደሎም ጸጋ ተመስገን ብማለት ድማ ፣ድሕሪ ጽንብሎም ቀጺሎም ብዕለት 3 ነሓሰ/2014 እቲ ካብ ኩሉ ዝዓበየን መንፈሳዊ ዕግበት ዝህብን፣ነታ “ጾር ዝኸበደኩም ናባይ ንዑ “እትብል ኣምላኻዊ ጻዋዒት መሰረት ብምግባር ካብ ክርስቶስ  መንፈሳዊ በረኸት ንምርካብ ምስ ኣምላኾም መርዓ ምፍጻሞም፣ ንምድራዊ ሓጎሶም ዘራጉድን መንግስቲ ኣምላኽ ዘውርስን’ዩ።

እቶም ንወለዶም ንምሕጓስ ሰናይ ግብሪ ዘገበሩ ደቆም፣ነዚ ጽቡቕ ግብሪ ኣርኣያ ብምዃኖም፣ካብ ደቆምን ካብ ኣምላኽን  ዓስቦም ክረኽቡ ጽቡቕ ትምኒትና’ዩ። ኣምላኽ ይባርኮም፣።
 
 
ንመም/ተኽለን ወ/ሮ ሄዋንን ድማ እንቋዕ ኣሞገሰኩም ብማለት ምስ ምሉእ ጥዕና፣ነዊሕ ዕድመ ንምነየሎም።
 
*** 
 
 

 

 

stMary20.jpg

ኣስተርእዮ ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ  

ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት ጥሪ 24-25 January 2014 ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ኣብ ርእሲ ምድማቑ፣ ኣብ ገጽ ምእመናን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ።

 

ኣብ ዕለተ ዓርቢ ዋዜማ፣ ቀዳም ካብ ወጋሕታ ብስብሓታት ዝተጀመረ ክብረ በዓል ቅድስት ማርያም በይ ኤርያ፤ ህጻናት ዝተማህርዎ ትግርኛን እንግሊዘኛን ጸሎትን መዝሙርን ኣቕሪቦም። ቀጺሎም ቤት ትምህርቲ ሰንበት መዛሙር ከቕርቡ ከሎዉ ምእመናን ሓቢሮም ምስ ደቆም ብምዝማር ንኣምላኾም ከመስጉንን ኪውድሱን ኣርፊዶም። ብሊቃውንቲ ቤተክርስትያን እንዳተመርሑ ምእመናን እንዳዘመሩን እንዳሸብሸቡን ብሓጎስን ዕልልታን ተሰንዮም ዑደቶም ድሕሪ ምፍጻም ናብቲ ዝተዳለወሎም ኣደራሽ ኣምርሑ። በዚ ድማ እቲ ካብ ዓርቢ ዝጀመረ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።

 

እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ኣስተርእዮ ኣዴና ቅድስት ድንግል ማርያም ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን። ኣሜን።

 

ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ስእላዊ መግለጺ  ተኸታተሉ።

 

እግዚኣብሔር ን3ይ ፓትርያርክ ብፁእ ወቅዱስ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

 

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ። 

Pictures

 ***

 

ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ ብደረጃ ዓለም-ለኸ ኣፍልጦ ዝረኸበ ናይ ሰላም ሓዋርያ ዝብል ሽልማት ተዋሂቡዎም

ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ፥ ናይ ኤርትራ ኦርቶዶክሳዊት ቤተ-ክርስቲያን ተዋሕዶ ፓትርያርክ፥ ንክብርን ድኅነትን ቤተ-ክርስቲያን ክብሉ ዝኸፍልዎ ዘለዉ መሥዋዕትነት ኣብ ግምት ብምእታው፥ ተጣባቒ ሰብኣዊ-መሰል ዝኾነ ኣብ ጀርመን ዝምቕማጡ ማኅበር፥ ናይ ክብሪ ተሸላሚ ክኾኑ ቅዱስ ኣቡነ-እንጦንዮስ መሪጹዎም ኣሎ። እዚ ድማ ቅዱስ-ኣቦና ጥራይ ዘይኮነ ብኣውርኡ ንቤተ-ክርስቲያናውን ዓቢይ ዓወት እዩ። ከመይሲ ኣብዚ እዋን ቅድስቲ ቤተ-ክርስቲያንን ቅዱስ-ኣቦናን ከም ኣብ ሓንቲ ሳንቲም ዘሎ ክልተ ገጽ ስለ ዝኾኑ፥ እዚ ሽልማት ንደምበ-ተዋሕዶና ዓቢይ ትርጉም ዘለዎ ድርብ ዓወት እዩ ክበሃል ይከኣል።

Read More ...

 ***

 

ኣስተምህሮ ብዛዕባ ጥንተ-ኣብሶን ሥእሊ ሥላሴን

ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ

 

እዚ ኣስተምህሮ እዚ ነቲ ኣብዚ ቀረባ እዋን ብገለ ወገናት ዝተዘርግሐ ቤላ ቤለው መኣረምታ ንክኸውን ኣብ ቤተ ክርስቲያን ቅድስት ድንግል ማርያም ኢየሩሳሌም (ስራኤል) ብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ዝሃብዎ ኣስተምህሮ ኮይኑ ኣብ ክልተ ኣገደስቲ ነጥብታት ዘተኮረ እዩ።

1. ጥንተ-ኣብሶ (ኣዳማዊ-ውርሻ) ማለት እቲ ካብ ኣቦና ኣዳም ናብ ኩሉ ዝሓለፈ ሞት እዩ። ቅድስት ድንግል ማርያም ድማ ከም ኩላትና ብሕጋዊ ሩካቤ ካብ  ቅዱሳን ስድራ ዝተወልደት ስለ ዝኾነት፣ እቲ ቀዳማይ ሞት እኳ እንተ ተንከፋ፣ እቲ ካልኣይ ሞት ግን ኣይተንከፋን። ከመይ መንፈስ ቅዱስ ካብቲ ካልኣይ ሞት ኣንጺህዋ እዩ። ቅድስት ማርያም ጌጋ ኣይፈጸመትን። ኣብ ኃጢኣት ኣይወደቐትን፣ ብሕልና ድንግል: ብሥጋ ድማ ድንግል እያ። "ንጽህት እምንጹሓን፣ መልእልተ ፍጡራትን፣ መትሕተ ፈጣሪ እያ።"

2. ብዛዕባ ስእለ-ሥላሴ ዝምልከት ድማ እምነትና ኣብ ቅድስት ሥላሴ ኣብ ዋጋ ዕዳጋ ዝኣቱ ኣይኮነን፣ ብሥላሴ ኢና እንኣምን። ብዛዕባ ስእሊ ሥላሴ ግና፣  እዚ ኣብ ሃገር ኣግኣዚ ዚግበር ስእሊ ሰለስተ ሽማግለ ኣብ ዘመነ መንግሥቲ ጎንደር ዝተኣታተወ እዩ። ኣብ ናይ ካልእ ኦርቶዶክስ ኣብያተ ክርስቲያናት የለን። ግን ኣነ ቅደድዎ፣ ኣልዕልዎ፣ ደምስስዎ ኣይበልኩን። ከመይ  ኦርቶዶክስ ማለት ናይ ሕብረት ኃይሊ (collective power) እምበር ንበይንኻ ድልየትካ ትውስነሉ ኣይኮነን።

Click Video Here

 ***

AbrahaGgeorgis3.jpg

ዜና ዕረፍቲ ሓውና ኣብርሃ ገብረገርግስ ገብረ፣ነብሰሄር ኣብርሃ ናብታ ብተስፋ እንጽበያ ቅድስቲ ሃገር ሓሊፉ።

ሓውና ኣብርሃ “ካብቲ ዝቕበልሲ እቲ ዝህብ ኣዚዩ ይባረኽ” ግ.ሓዋ/20፡35 ካብ ዝብል ናይ ጎይታናን መድሓኒናን ኢየሱስ ክርስቶስ ቃል ተበጊሱ  “ንቤተ ክርስትያን ዝሃበ ዝደኸየ የለን” ብዝብል ጭርሖ ኣብ ኣማኒ ህዝብና ዓቢ ጎስጓስ ብምክያድ ብኣቦ መንበርነት ናይ ሰበኻ ጉባኤ ክልተ ኣብያተ ክርስትያናት ማለት ቤተ ክርስትያን መድሃኔዓለም ኦክላንድን፣ቤተ ክርስትያን ቅድስት ማርያም ቤይ ኤርያ ሳንሊያንድሮን ኽግዝኡ ዝኸኣሉ ብዘይሕለል ጻዕሪ ሓውና ኣብርሃ ስለ ዝኾነ  እቲ “ጽድቂ ዝገብር ኩሉ ጻድቕ’ዩ” 1ዮሃ/3፡7 ዝብል ቅዱስ ተግባር ብግብሪ ዝፈጸምካዮን ኣብ ቅድስና ህይወት ዝነበርካን እሙን፣ ሓቀኛ፣ሕያዋይ ንህዝብኻን ቤተ ክርስትያንካን ውፉይ ኣገልጋሊ ዝነበርካ ብስጋ ካባና ብምፍላይካ’ኳ እንተ ሓዘንና ብመንፈስ ግን ኩሉ ግዜ ካብ ኣእምሮና ኣይትፍለን ኢኻ።

Detail Biography of Abraha Gebregeorgis Ghebre

 

A short poem about the late Abraha Ghebre

 

 

ይግባይ ናብ እግዚኣብሔር ምእንቲ እቶም ኣብ ላምፐዱሳ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን
ብንብዓት ዝተሰነየ መጸናንዒ ቃል ብጹእ ኣቡነ መቃርዮስ

Please click here

 ***

 ስለቶም ኣብ ላምፐዱሳ ዝጠፍኡ ኤርትራውያን ኣብ ዓዲ እንግሊዝ ዝተገብረ ጸሎት

Please click here

 ***

ብእምነት እንተ ሃሊኹም ርእስኹም መርምሩ

ብቀሺ ገብረመድህን ገብረጊዮርጊስ ብዕለት 24/10/2004 ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

Click here to see Video

ንኣምላኽ ምእማን

ብቀሺ ዶ/ር ፍጹም ገብረንጉስ ኣብ ቀጽሪ መካነ ህይወት ቤተክርስትያን መድሃኔ ዓለም (25/07/2004) ዝተዋህበ ስብከት። ንሶም ካብ ሕዳር 2004 ክሳብ ሕጂ ኣብ ቤት ማእሰርቲ ይርከቡ።

Click here to see Video

***

stmary.jpg

ዓመታዊ በዓል ቅድስቲ ማርያም ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተ ክርስትያን ኤርትራ በይ ኤርያ ብድምቀት ተኸቢሩ።
ካብ ዝተፈላለየ ክፍልትታት ኣመሪካ ተዓዲሞም ብዝመጹ፡ ብብፁእ ኣቡነ መቃርዮስ ዝምርሑ ብርክት ዝበሉ ሊቃውንቲ ኣቦታትን ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ ናይ ኣዴና ቅድስቲ ድንግል ማርያም ኣስተርእዮ፡ ካብ ዓርቢ ክሳብ ሰንበት (የካቲት/February 01-03/ 2013 (ጥሪ ፳፬-፳፮, ፳፻፭ ዓ.ም. ግእዝ) ዝተፈላለየ መንፈሳዊ መደባት ሓቚፉ ኔሩ። ኣብቲ ብኣስታት 1.4 ሚልዮን ዶላር ዝተገዝአ ሓድሽ ህንጻ ሎሚ ንሳልኣይ ግዜ ዝብዓል ዘሎ በዓል ኣስተርእዮ ቅ. ማርያም ብብዙሒ ህዝቢ ኣብ ርእሲ ምድማቑ፣ ኣብ ገጽ ዕዱምን ኣባላት ቤተክርስትያንን ዝንበብ ዝነበረ ፍስሓን ሓጎስን ፍሉይ ኔሩ።

 

Read More ...

***

Abune Antonios

His Holiness Abune Antonios, Patriarch of the Eritrean Orthodox Tewhado Church 

Patriarch Antonios was born in 1927 in the town of Hembrti, to the north of Asmara in the province of Hamasien. His father was a priest and at the age of five he entered the monastery of Debre Tsege Abuna Andrewes where he was educated for the service of the church, being ordained a deacon when he was twelve. Professed a monk and ordained priest in 1942, he was elected Abbot in 1955.
When the Eritrean Orthodox Tewhado Church first sought its independence, he was one of the five abbots of monasteries to be sent to Egypt to be ordained a bishop so that the church would have its own Holy Synod. He was ordained as Bishops Antonios of Hamasien-Asmara on 19 June 1994 in St. Mark’s Cathedral, Cairo, at the hands of His Holiness Shenouda III, Pope and Patriarch of Alexandria..

Read more ...

***

ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስቲያን ተዋህዶ ኣብ ግብጺ ዘካየዶ ጉዕዞ ዛዚሙ ብሰላም ተመሊሱ       ll

Eritrean Orthodox Church delegation returned from Egypt (Read More (PDF)

 

with Pope Tawadro II

***

Bishop Tawadros new pope of Egypt's Coptic Christians 

Bishop Tawadros has been chosen as the new pope of Egypt's Coptic Christians, becoming leader of the largest Christian minority in the Middle East.

His name was selected from a glass bowl by a blindfolded boy at a ceremony in Cairo's St Mark's Cathedral. Three candidates had been shortlisted.

The 60-year-old succeeds Pope Shenouda III, who died in March aged 88.

Bishop Tawadros

*** 
ልኡኽ ኤርትራዊት ቤተ ክርስትያን ተዋህዶ ምስ ዓቃቢ መንበር ቤክ ምስሪ ተራኺቡ

egypt110112_2.jpg

***

 

በስመ ኣብ ወወልድ ወመንፈስ ቅዱስ፣ ኣሓዱ ኣምላክ ኣሜን።

በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቅ. ማርያም ቤተክርስትያን ብድምቀት ተባዒሉ፡ ምእመናን ዕዳ ህንጻ ቤተክርስትያኖም ንምቅላል ልዕሊ $47,000 ገንዘብ ኣዋጺኦም።

     ብብዝሒ ምእመናን ብክብ ዝበለ ፍስሓን ሓጎስን ዝተጸንበለ በዓል ቅዱስ መስቀል ኣብ ቀዳምን ሰንበትን (መስከረም 22-23, 2012 ፈረንጂ/ መስከረም ፲፪-፲፫, ፳፻፭ ግእዝ) ጸሎተ-ሰርክ፡ ቅዳሴን ፍሉይ ኣስተምህሮን ብምምሕልላፍ ብድምቀት ተኸቢሩ።

     እቲ ናይ ቀዳም መደብ ድሕሪ ጸሎተ-ሰርክ፡ ቀሲስ ቴድሮስ ተስፋይ "መስቀል ኣርማ ቤተክርስትያንን ሓይሊ ክርስትያንን" ብዝብል ኣስተምህሮ እቕሪቡ። ብተወሳኺ ዶር. ተስፋ ገብረመድህን "ዝምድና ሓድሕድና ከመይ ኣሎ" ብዝብል ኣዝዩ እዋናውን ሓናጽን ሰሚናር ኣካይዶም። ከምኡ'ውን ካብ ወልስ ፋርጎ ዝመጸ ናይ ፋይናንስ ምሁር ብዛዕባ ሞርጎጅ ቤተክርስትያን ዝቃለለሉ መገድታት ዝድህስስ ኣገዳሲ ኣስተምህሮ ኣቕሪቡ።

     እቲ ትምህርትን ሰሚናርን ሰንበት ድሕሪ ቅዳሴ'ውን ቐጺሉ። "መስቀልካ ኣብ ጸጽባሕ ኣልዕሊካ ንመድሓኒ ክርስቶስ ምስዓብ ብመንጽር ዕለታዊ ናብራና እንታይ ማለት'ዩ" ብዝብል መንፈሳዊ ኣስተምህሮ ቀሪቡ። ዶር. ተስፋ ገብረመድህን ከኣ "ንበዓልቲ ቃል ኪዳንካ ኣኽብር" ብዝብል ንማሕበራዊ ህይወት ስድራ ቤታትና ኣዝዩ ጠቓሚ ዝኾነ ሰሚናር ብድጋሜ እቕሪቦም።

     ምእመናን ቅ. ማርያምን ተዓዲሞም ዝመጹ ደቂ ቤተክርስትያንን በቲ መደባት ሓጎሶም ብምግላጽ፤ ኣመሃደርቲ ቅ. ማርያም ሓጺር ፋይናንሳዊ ጸብጻብ ድሕሪ ምሃቦም፤ ኣብ ውሽጢ ሓደ ሰዓት ኣብ ዘይመልእ $47,241.00 (ኣርብዓን ሸውዓተን ሽሕን ክልተ ሚእትን ኣርባዓን ሸውዓተን ዶላር) ኣዋጺኦም። ኣዴታት ቅድስቲ ድንግል ማርያም ቤተክርስትያን ዘዳለወኦ ምግቢ ድሕሪ ምብላዕ፣ ኣብ መጨረሻ  "ያብጽሓነ ዓመ ከመ ዮም ያብጽሓነ እግዚእ። ንዓመታ ከምዚ ሎሚ የብጽሓና ጎይታ" እንዳበሉ ሆየ ሆየ ተሳጊሮም ካብ ቀዳም ክሳብ ሰንበት ዝቐነየ መንፈሳዊ መደባት ብምስጋናን ፍስሓን ተዛዘመ።

     ኣብ ኣገልገልትን ምእመናን ዝቐነየ ፍስሃን ሓጎስን ብዝበለጸ ንምዕዛብ ስእላዊ መግለጺ (Pictorial report) ተኸታተሉ። እግዚኣብሔር ብጥዕና ሓልዩ ኣብስጋዊ ናብራና በረኸት ወሲኹ፡ ብመንፈስን ዓብዪናን ደልዲልናን ንዓመታ ብዝበለጸ፡ ብዓል ቅዱስ መስቀል ከነብዕል ፍቓዱ ይኹን።

ወስብሓት ለእግዚኣብሔር!

ንብፁእ ውቅዱስ ሣልሳይ ፓትርያርክ ኣቡነ እንጦንዮስ ብጥዕናን ሰላምን ይሓልወልና!

ንብፁዕ ኣቡነ መቃርዮስ ከኣ ኣብዚ ናይ ፈተና እዋን፡ እግዚኣብሔር ኣብ ኣገልግሎቶም ዓወትን ኣሳልጦን ይሃብ።

ንቤተክርስትያንናን ሃገርናን ድማ ሰላሙ ይሃብ።

ኣገልገልትን ምምሕዳር ሰባኻ ጉባኤን ቅ. ማርያም ኤርትራ ኦርቶዶክስ ተዋሕዶ ቤተክርስትያን በይ ኤርያ።

Pictures from the event

***

 

 

 

ቃለ መሕትት ምስ ናይ ቲኦሎጂ ምሁር ኣባ ሽኖዳ ማህር
ኣዳለውቲ ተመሃሮ ስነ-መለኮት “ደቂቀ እንጦንዮስ”

Please click here to watch the full interview

Fr_Shenouda.jpg